Tigrinyan

ዓለምለኸ ቐይሕ መስቀል ICRC ሳይበር/cyber ጸገም ድሕንነት

 

ብዕለት 18 ጥሪ/January 2022 ዓ.ም ናይ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኮሚቴ ብባዕሉ መኸታተሊ ሳይበር-መጥቓዕቲ ኣቢሉ ከምዝፈለጠ፤ እሞ ብዘይተፈለጠ ዝተራቐቐ ፍሉጥ ተዋሳኢ (ካብቀይሕ መስቀል ወጻእ ዝኾነ ሰብ) ንዝተዓቖረ ስድራቤት መራኸቢ መርበብ (RFL) ጭቡጥ መረዳእታ ረኺቡ ምጥቓም እዩ።

ብዕለት 20 ጥሪ/January 2022 ዓ.ም ናይ ኣውስትራሊያ ቀይሕ መስቀል ነቲ ጸገም ኣፍሊጡ እዩ።

ሓዱሽ ሓበሬታ ኣብዝዳለወሉ ግዘ በዚ ገጺ ብተኸታታላይ እዋናዊ ዝኾነ ሓበሬታ ነዳልው ኢና።

ተወሳኺ ሓገዝ ወይኻዓ ኣስተርጓማይ እንተደሊኻ፤ በጃኹም ንኣና ክሕግዝ ቃል ንዝኣተወ ኣብ ማዓልቲ 24 ሰዓታት ኣብ ሰሙን 7 ማዓልታት ሆትላይን መስመር ምድዋል፤ ብስልኮ 1800 860 442

ንዓለምለኸ ስልኪ ንምድዋል፤ በጃኹም በዚ ስልኪ ኣዘራርቡ +61 2 8077 2507

ብዛዕባ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል/ICRC ሳይበር ጸገም ድሕንነት

 

እንታይ ተፈጢሩ?

ናይ ICRC ኣጻሪዩ ከምዝረኸቦ ምስ ቀይሕ መስቀል ወይኻዓ ቀይሕ ውሉዶ ወርሒ ምንቕስቓስ (RCM) ኣገልግሎት ንዝረኽቡ ካብ ልዕሊ 500,000 ንዝኾኑ ሰባት ብናይ ብሕታዊ መረዳእታ ዝተገብረ ናይ ምክትታል ምትዕንጋድ ብዝተራቐቐ ሳይበር መጥቓዕቲ ድሕንነት ምዝርራብ ተጌሩ እዩ። ናይ ኣውስትራሊያ ቀይሕ መስቀል ነዙይ ጭቡጥ መረዳእታ ንኣና RFL ከምኡ’ውን ብማዕሰርቲ ቍጽጽር ፕሮግራም ንዘሎ ይጠቕም እዩ። እቲ መረዳእታ ብናይ ኣውስትራሊያ ቀይሕ መስቀል ኣቢሉ ናብ ጭቡጥ መረዳእታ መዕቐቢ ምእታዉ፤ ብፍላይድማ ነቲ ጸገም ዝፈጠረ ስለምእታዉ ክሳብ ሕጂ ኣይንፈልጥን። ናይ ቀይሕ መስቀል ወይኻዓ ናይ ቀይሕ ውሉዶ ወርሒ ጕጅለታት ብዓለምለኸ ንዘሎ መረዳእታ መዕቆቢ ይጥቐሙ፤ ይኹን እምበር እቲ መረዳእታ በቲ መዕቆቢ ዝቕመጦ ካብ ንሰርሓሉ ዝኾነ ጕዳይ፤ ካብ ዝኾነ ሃገር ዝመጸ መረዳእታ እዩ።

ናብ ኣውስትራሊያ ቀይሕ ዝሓብዎ መረዳእታ በቲ መዕቐቢ ቦታ ክቕመጥ ይኽእል እዩ። ነቲ መረዳእታ ኣብ ሓደ ቦታ ከምተዓቐበ ንምርግጋፅ እዚ መደባዊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ከይዲ ከምዝኾነ እሞ ንሓደ ትፈትዎ ዝጠፍኣ ሰብ ንምዕላሽ ክፍተን እንከሎ ምስ ኻልእ ሃገር ዘለዉ ናይ ስራሕ መሻርኽትና ብምዝርራብ ምርኻብ ንኽእል።

በዚ መረዳእታ ውሽጢ ዚኻተት ዝኽእሎ ንናትኻ ስም፤ መራኸቢ ዝርዝር መረዳእታ፤ ብዛዕባ ትፈትዎ ዝጠፍኣ ሰብ ኵነታን ብዛዕባ ዝሓበርካና ማዕሰርቲን ዘተሓሳስብ ጕዳያት ይኸውን። ናትኻ ጕዳይ ኣብ ነዳልወሉ ግዘ ነቲ ዘቕረብካዮ ሰነዳት ኩሉም ዘኻተተ እዩ፤ እዚ’ውን ንናይ መንነትኻ መግለጺባጤራ ሰነዳት፤ ንዝተመልኡ ቕጥዒታት፤ ካብ ICRC ናይ ማዕሰርቲ ወረቐቲ ምስኽር መረጋገጺ፤ ኣሞንጎ ስድራቤት ንዝተገብረ መልእኽቲታት ምልውዋጥ ከምኡ’ውን ፎቶግራፋት ዘኻተተ ክኸውን ይኽእል።

ኣብዚ እዋን ብዛዕባ ብሕታዊ መረዳእታኻ ምዝራዝን ንምኽፋት ተፈቲኑ ከምዝኾነ ዘርእይ ምን ዓይነት መረዳእታ ከምዘየለ ነፍልጥ ኢና። ብጀኻ እዚ ዘይግቡእ ጭቡጥ መረዳእታ ንምጥቓም ወይኻዓ ንሕዝባዊ ኣውጺእኻ ንምሃን ዘርእይ ምንም ዓይነት ማስረጃ የለን። ነዙይ ዕሙቕ ዝበለ ገምጋም ከምዝግበረሉ እሞ እዚ ኵነታ እንተተለዊጢ ንፍልጠኩም ኢና።

ንዝተፈጥረ ጸገም ኵነታ መልሲ ንምሃብ እንታይ ተጌሩ?

እቲ ጸገም ከምተፈጥረ ናይ ICRC ክፈልጥ እንከሎ ቐልጢፉ ነቲ መገልገሊ ካብ መስመር ክእጸው ስምምዕ ተጌሩ እዩ። እዚ ማለት ኣብዚ እዋን ንዝኾነ ጉዳይ መረዳእታ ወይኻዓ ብዝኾነ ጉዳይ ሥራሕ ንምጥቓም ኣይንኽእልን ኢና።

በዚ ኵነታ ጸገም ንዝበጽሆም ንናይ ሰብዓዊነት ኣገልግሎታት ብቐጻላይነት ንምድላው፤ ኣብ ሙሉእ ዓለም ብዘለዉ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወልዶ ወርሒ ጉጅለታት ናይ ሓጺር ግዘ መፍትሒ ፈሊኻ ንምፍላጥ ሕጂ ICRC ራብ ኣሰራርሓ ከይዲ ከምዘሎ እዩ።

ብፍላይ ድማ፤ እዞም ሰባት ድሕንነቶም ተሓልዩ ንክጸንሑ ንምግባር ናይ ኣውስትራሊያ ቀይሕ መስቀል ብከባቢ ዘሎ ኣሰራርሓ ሜላታትን ኣገልግሎታት ከይተገራጨወ ናይ ባዕሉ ገምጋም የካይድ እዩ።

ብሓባር ኾይንካ፤ መጕዳዕቲ ንዝበጽሆም ዓሚላት ንምሕጋዝን ተመሳሳሊ ጸገም እንዳጋና ከይፍጠር ንምክልኻል ብዝበለጸ ናይ ኣሰራርሓ ሜላ ብምጥንኻር ሓቢርና ንሰርሕ ኣለና።

ንምንታ እዩ ነዘራርበካ?

ነዘራርበሉ ምክንያት በዚ ዝስዕብ ዘለዉ ኣገልግሎታት ብሓዲኡ ወይ ካብዚ ንላዕሊ ብዘሎ ጕዳይ ምሳኻ ስለዝሰራሕና እዩ:

  • ብጦርነት፤ ብሓደጋ ወይኻዓ ብስደት ምክንያት ንዝጠፍኣ ስድራቤት ኣባል ንምጥያሽ።
  • ዝኾነ ኻልእ መራኸቢ መገዲ እንተዘይሃልዩ ንኣዝማድ መልእኽቲታት ብምስዳድ።
  • ኣብ ወጻእ ሃገር ንዘለዉ ኣዝማድ ምርካብ ንዘይኻኣሉ ብናይ ገባረ ሰናይ ኣቢልካ ንምጽራይ።
  • ብዛዕባ እቲ ውልቀሰብ ዘሎ ዶኵመንቲታት ንምሕታት።
  • ናይ ኢሚግሬሽን መጽንሒ/ማዕሰርቲ መገልገያሊ ኵነታት ንምቍጽጻር እዩ።

ከምቲ ጸገም ዝፈጠሮ ውጽኢት፤ ብእዋን እዚ ኣሰራርሓ ከይዲ ብናትኻ ወይኻዓ ብዝትፈትዎ ሰብ ዝቐረበ ሓደሓደ መረዳእታ ጸገም ክፍጠረሉ ከምዝኽእል እዩ። በጃኹም በዚ ጸገም ንዝበጽሆ ዝኾነ ተፈታዊ ሰብ ክፈልጦ ስለዘይኽእል ኣዘራርቦ።

ናይ RFL ጭቡጥ መረዳእታ መዕቆቢ እንታይ እዩ?

ናይ RFL ጭቡጥ መረዳእታ መዕቆቢ ዝጠቕም ኣብ ኩሉ ዓለም ንዘለዉ ኣውስትራሊያ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወለዶ ወርሒ ሕብረተሰባት ከምዝኾነ እሞ:

  • ንዝጠፍኣ ንምዕላሽ ንምሕጋዝ
  • ብዛዕባ RFL ጕዳያት መረዳእታ ንምሃብን ንምዕቛር፤ እዚ’ውን ምስ ኻልእ ሃገራት ዘለዉ ኣዝማድኻ መልእኽቲ ንምልውዋጥ
  • ብኢሚግሬሽን ማዕሰርቲ ውሽጢ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ሰብዓዊነት ዝተለኣሉ ጕዳያት ሪኮርዲ ንገብሮ
  • ብኢሚግሬሽን ማዕሰርቲ ውሽጢ ዘለዉ ሰባት ንዝግበር ርክብ ምምዝጋብ
  • ንኣኻን ንስድራቢርትካ ንምሕጋዝ ናብ ኻልእ ኣካል ድርጂት ንምልኣኽ ዝተዳለወ መረዳእታ ሪኮርዲ ንምግባር (ቕድም ክብል ምሳኻ ዝተዘራረብካሉ)።

ናይ RFL ጭቡጥ መረዳእታ መዕቆቢ ዝቕመጦ ኣብ ጀነቫ ውሽጢ ከምዝኾነን እሞ ናይ ICRC ቍጽጽር ይገብረሉ።

ንምንታ እዩ ICRC ንናትኻ ብሕታዊ መረዳእታ ዘለዎ?

ኣብ ስድራቤት መራኸቢ መርበብ (RFL) ዝቕመጥ ጭቡጥ መረዳእታ ናብ ሙሉእ ሃገራት ንዘለዉ ዝበጽሕ ዓለምለኸ ኣገልግሎት እዩ። ንናይ ኣውስትራሊያ ቀይሕ መስቀል ዘኻተተ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ቀይሕ ውሉዶ ወርሒ ሕብረተሰባት ብዛዕባ RFL ጕዳያት መረዳእታ ንምዕቛር ንናይ ኦንላይን ኣሰራርሓ ሜላ ይጥቐመሉ። ዘዴ ይጠቀማሉ። ንሕና ነዙይ ንገብር ኢና እሞ መረዳእታን ድሕንነት ብዘለዎ ሓደ ቦታ ምቕማጥን እሞ ንዝትፈትዎ ሰብ ክተደላልይ ክትፍትን እንከሎ ምስ ናትና ቀይሕ መስቀል መጻምድ ርክብ ክንገብር ንኽእል።

ከምኡ’ውን ኣብ ኢሚግሬሽን ማዕሰርቲ ውሽጢ ንዘለዉ ሰባት ሓገዝ ክግበረሉ ግዘ ነዙይ ኣሰራርሓ ከይዲ ንጥቐመሉ ኢና።

እንታይ ዓይነት ብሕታዊ መረዳእታ እዩ?

ብRFL ጭቡጥ መረዳእታ መዕቆሪን ምስዚ ዚተዛመደ ኣሰራርሓ ሜላታት ናይ ICRC መኸታተሊ ብስምምዕነት ከምዝነበረ እዩ። ብመቃልዓ መጭበርበሪ፤ ኣብቲ ኣሰራርሓ ውሽጢ ከምዝነበሩን እሞ ነቲ መረዳእታ ናብ ኻልእ ምትሕልላፍን ናይ ምቕዳሕ ክዕለት ከምዘለዎም እዩ። ብናይ ኣውስትራሊያ ቀይሕ መስቀል ኣቢሉ ናብ RFL ጭቡጥ መረዳእታ መዕቆሪ ዝኣተወ ሓበሬታ፤ ብፍላይ ድማ ነቲ ጸገም ዝፈጠረ ትኽኽል ንምዃኑ ክሳብ ሕጂ ኣይንፈልጥን። ጸገም ክፈጥር ንዝኻኣሎ መረዳእታ ዘኻተተ ብዛዕባ ናትኻ ጕዳይ ዝተገብረ ቃለሕቶ ዘረባ ሪኮርዲ፤ እዚ’ውን ዘግድስ እንተኔሩ ንናይ ትፈትዎ ሰብ ዝርዝር ኣድራሻ ዘኻተተ ይኸውን። ከምቲ ንፈልጦ እቲ ሓበሬታ ብጽሑፍ ከምዘይተሓተመ ወይኻዓ ኣብዚ እዋን ከምዘይወጸን ብቐረባ ኾይና ንቆጻጻሮ ኢና።

ንባዕልኻን ንናትኻ ብሕታዊ መረዳእታ ንምክልኻል እንታይ ዓይነት ጥንቓቐ ስጕምቲታት ምውሳድ ትኽእሉ?

ናይ መራኸቢ ዝርዝር መረዳእታ ሳልሳይ ኣካል ክረኽቦ ስለዝኽእል፤ በዚ ዝስዕብ ምግባር ኣገዳሲ እዩ:

  • ፓስዎርድ/passwords ምቕያር – ክሳብ ሕጂ እንተዘይጌርካዮ ኣብ ኦንላይን ንዘለኻ ፓስዎርድ/መእተዊ ቃል ምልዋጥ። ከምኡ’ውን ንናትኻ ፓስዎርድ/መእተዊ ቃል ብኢሜል ጌርካ ናብ ኻልእ ኣካውንቲ ዘዲድኻ እተኾይኑ ምቕያር። ናይ ኣውስትራሊያ ሳይበር ድሕንነት ማእከል ጽቡቕ ዝኾነ ብዛዕባ ፓስዎርድ/password ኣሰራርሓ መምሪሒታት የዳልዉ እዩ።
  • ጥንቓቐ ምግባር – ብናይ ወብ/ድረገጺ ኣድራሻ ጥርጣረ እንተሃልዩካ እሞ ትኽኽለኛ ዝኾነ ድረገጺ ስለዝኸፈትካ ንምርግጋፅ ንናትኻ ኣገልግሎት መዳለዊ ኣዘራርብ። ንናትኻ ጸቒትኻ መኽፈቲ መረዳእታ ዘይምሃብ እዩ።
  • ተወሳኺ መከላኸሊ ክትረኽብ ምኽኣል – እንተተኻኢሉ ንናትኻ ኦንላይን ኣካውንቲ ሓቓዊ ንዝኾኑ ብዙሕ ነገራት ምድላው እሞ ንናይ ኦንላይን ኣካውንቲ ክትጥቐም ብዝኾነ መሳርሒ እዋናዊ ዝኾነ ጸረ-ቫይረስ ሶፍትወር ከምዝኣተወ ምርግጋፅ እዩ።
  • ንመራኸቢ መርበባት ምጽራይ – ወብፓጅ/webpage ንናትኻ መክፈቲ መረዳእታ ኣብዝሓተሉ ግዘ ‘ዩኒፎርም መገልገሊ ዘርእይ/Uniform Resource Locator’ ወይኻዓ ‘URL’ ዝብሎ እንታይ ከምዝኾነ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ምውሳድ። እዚ ብናትኻ ወብ መውጽኢ ብራውዘር/browser ኣድራሻ ባር ከምዘሎ ብፍላይ ድማ ብ ‘https://’ ይጅምር እዩ
  • ሞባይል ፎን መእተዊ– ሞባይል ፎን ንዝሓዙ ብጥንቓቐ ክጥቐሙ ዘለዎም፤ ድሕሪ ሕጂ ናትኻ ፎን ነትዎርክ/network ተቛሪጹ ንዝብል ዘይልሙድ መልእኽቲ፤ ወይኻዓ ብናትኻ ሞባይል ዝሓዞ ንክቛረፅ መምሪሒ ከምዘይሃበ እዩ። ለያዘ እንዲቋረጥ መምሪያ እንዳልሰጡ ነው። ይህ እዚ ኣብዝፍጠረሉ ግዘ ንሞባይል ፎንካ ንዘሓዞ ቐልጢፍካ ነቲ ጕዳይ ንክተፍልጦ ንሕብር ኢና።
  • ንምጭብርባር ምኽትታል/Scamwatch መምርሒ ገምጋም – ንኣኻ ካብ ምጭብርባር ንምክልኻል ናይ ኣውስትራሊያ ውድድርና ተጠቐምቲ ኮሚሽን ብምጭብርባር ምኽትታል ዘውጽኦ መምርሒ እንዳጋና ገምጋም ንክግበረሉ ትደሊ ይኸውን።

ብዛዕባ መንነትኻ መለለዩ ባጤራ ንምክልኻል ዝበለጸ መምርሒ እንተደሊኻ ንናይ ኣውስትራሊያ ሳይበር ድሕንነት ማእከል መምርሒ ገጺ ኣቲኻ ምርኣይ።

ብዛዕባ እቲ ጸገም ኣፈጣጥራ ሙሉእ ፍልጠት ክነብረናን እሞ እቶም ናትና ዓሚላት ብኸመይ መገዲ ከምተጎድኡ ንምሕጋዝ ሕጂ’ውን ጥንቓቐ ብዘለዎ ከይዲ ነካይድ ኣለና። ጠቓሚ ዝኾነ እዋናዊ መረዳእታ ኣብዝርከበሉ ግዘ፤ ማለት ክትገብሮ ትኽእሎ ጥንቓቐ ስጕምቲታት ብዘኻተተ እዋናዊ ዝኾነ ምኽሪ ክነዳልወልካ ቃል ንኣትዉ።

ብጭንቐቲ መንፈሲ ትሻቐል እንተኾይንካ ፍቓድ ብዘለዎ ካብ ዝተመዝገበ ትፈልጦ ሓለዋ ጥዕና ሰበሞያ ምኽሪ ሓበሬታ ክትረኽብ ከምዘለካ ንሕብረር ኢና።

 

ተወሳኺ ሓገዝ ኣበይ ክትረኽብ ትኽእል?

ንኣኻብ ትፈትዎ ሰብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝዳለዎ ብሰንኪ እዚ ፈጠራ ጸገም ዘሎ ዝኾነ ሕቶታት ወይኻዓ ዘተሓሳስብ ጕዳይ መፍትሒ ምእንታን ክረኽብ ንምሕጋዝ እዩ። በዞም ዚኻተት:

ናይ ኣውስትራሊያ ቀይሕ መስቀል

ኣብዚ ላዕሊ ብዝተጠቐሶ ስልኪ ቍፅሪታት ጌርካ ሆትላይን ምድዋል ትኽእል።

ከም ኡ’ውን በጃኹም በዚ ቐጻላይ ማዓልታት እዋናዊ ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ ወብፓጅ/webpage ኣቲኻ ምጽራይ።

ንመንነትኻ መለለይ ሓልየት/IDCARE

ብዛዕባ ናትኻ ብሕታዊ መረዳእታ ብዘይ ኣግባብ ምጥቓም ከምተኻኣለ ዘተሓሳስበካ እንተኾይኑ፤ ካብ IDCARE፤ ካብ ኣውስትራሊያ ሃገራዊ መንነትን ሳይብረስ ድሕንነት ማሕበረሰብ ሓገዝ ኣገልግሎት ብናጻ ደገፍ ንክትረኽብ ነዳልወልካ።

ግፍሕ ብዝበለ ሓለዋ ድሕንነት ዘተሓሳስበካ እንተኾይኑ፤ በጃኹም ንናይ IDCARE ጕዳይ ኣማሓዳሪ ብናይ IDCARE’s ሓገዝ መርኸቢ ወብ ቅጥዓ ኣቢልካ ርክብ ምፍጣር እዩ።

ብኻልእ መማረጺ’ድማ፤ ብዛዕባ ናትኻ ብሕታዊ መረዳእታ ኣተሓሕዛ ንዝበለጸ መረዳእታን መገልገሊ ምንጪታት ኣብ IDCARE’s መምርሒ ማእከል ኣቲኻ ምርኣይ። ናይ IDCARE’s ኣገልግሎታት ክዳለዉ ዝኽእል “ሓገዝ ንምርካብ/Get Help” ድሕሪ ኣብ ወብ ቅጥዒ ምምላእኻ ብዝውሃብ ናይ መከላከሊ ኮድ/ምልክት RCA-ID22 ወይኻዓ ብስልኪ ምድዋል:

1800 595 160

ናትኻ ሓለዋ ጥዕና ሰበሞያ

 

Charity donations of $2 or more to Australian Red Cross may be tax deductible in Australia. Site protected by Google Invisible reCAPTCHA. © Australian Red Cross 2024. ABN 50 169 561 394